top of page
Mezmur: Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)
05:52
EndaMariam

Mezmur: Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)

ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ጨካን ንጉሥ ፈርዖን ልቡ ምስ ኣትረረ ኣብ ልዕሌና ውን ግፍዒ ምስ መረረ ሓይልና ደኺሙ ከለና ኣብ ባርነት ታሪኽና ለዊጡ ሂቡና ናጽነት ብካህናተ ሰማይ ወትሩ ንዝምስገን ሰባት ካብ መከራ ካብ ሞት ንዘድሕን ነግዝእ ነፍስና ነገልግል ኣብ ቤቱ ጸጋኡ ክህበና በቲ ረድኤቱ ጐይታ ብምሕረቱ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ኣብቲ ምድረ በዳ ገለ ውን ዘይብሉ ንበልዖ ስኢንና ጭንቂ ከንጸላሉ ግን ኣይሓደገናን ምስ ኩሉ ሽግርና ሕይወት ዘሪኡልና እናመገበ መና ከመይ ኢልካ ይርሳዕ ናይ ኣምላኽና ግብሪ ምሕረቱን ለውሃቱን እቲ ናቱ ፍቕሪ ንውዕለታት ጐይታ ዝዳረግ ውሬታ እኳ እንተዘይብልና ነቕርብ ምስጋና ንዘምር ብዓውታ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ክብደት ናይቲ ሽግር ሕጂ እንክዝከር ብዓቕሚ ወዲ ሰብ ፍጹም ዘይጽወር ግን ኩሉ ሓሊፉ ኣምላኽና ረድኣና ከነኣን ኣእተወና ርስቲ ኣቦታትና ድንቂ ኢዩ መስደምም ሥራሕ እግዚኣብሔር ንትብዓት ኣስኒቑ ዘራግፍ ከቢድ ጾር ሰላም ዝመልኦ ክኸውን ሕይወትና ንደይብ ናብ ቤትኤል ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክሃድእ መንፈስና ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር /2/ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara. "ንተንስእ ናብ ቤት ኤል ድማ ንደይብ።" ዘፍ.35፡3 / Genesis 35:3
Home: Videos
bottom of page