top of page
This site was designed with the
.com
website builder. Create your website today.
Start Now
ቀስተ ደመና
ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ መዝሙር ቤት SITE
Home
Blog
ትምህተ ሃይማኖት
ገድለ ቅዱሳን
Videos መዝሙር
Audios መዝሙር
Forum
Members
File Share
More
Use tab to navigate through the menu items.
Log In
Share
Whole Channel
This Video
Facebook
Twitter
Pinterest
Tumblr
Copy Link
Link Copied
All Videos
All Categories
Play Video
Play Video
07:20
DEBRE MEWIE ABUNE AREGAWI MAYTEMENAY
Lbey Bdngl Selam Alewo ልበይ ብ ድንግል ሰላም ኣለዎ
Play Video
Play Video
05:38
ግሩም መካር grum mekar (Orthodox Mezmur)
new eritrean orthodox tewahdo mezmur * Mahber Ardet * Bal sham melak (በዓል ሻም መልኣክ)
በዓል ሻም መልኣክ እሙን ዓቀይታይ ሊቀ መላእክ ኣገልጋሊ ጎይታይ ኣብ ጎድነይ ኣሎ ኣብ ጎድንና'ሎ ክድግፈና ሚካኤል ንበሎ ኣጽዋር ሰረገላ ትምክሕቲ ዘይዓጅቦ ኣበረኻ ሲና ንህዝብ ዝመርሖ በዓል ዓቢ ውዕለት ቱሑትን ሓቀኛን መን'ዩ ከም ሚካኤል ተኣምር ሓርበኛ ሓያል ተዋጋኢ ክንዲ ህዝቡ ኮይኒ ፈቃር ትሑት ለዋህ ዓይኒ ርግቢ ዓይኑ ታሪኸይ ክትቅይር ጽንሓኒ ኣብ ኣክራን ሓለቃ ኩነለይ ኩኮነልካ ባህራም ኣብቲ ጽዕጹዕ ኩናት ሰራዊት መሪህካ ብመንፈስን ዋጋን ስም ኣምላኩ ጸይሩ ቡርቱዕ ዝባህሪኡ በዓል ሰፊሕ ክንፊ ሰራዊት ሳጥናኤል ብሰይፊ ኣርጋፊ በዓል ዓቢ ሪኢ ኮይኑ ኣብ ባቢሎን ክትንንእ'ዩ እልካ ነቲ ዓቢ መስፍን ዝቀውም ንህዝቡ ኣብ ግዜ መከራ ካብ'ዛ ባሕሪ ሓጥያት ነብስና ኣስግራ
Play Video
Play Video
06:12
ግሩም መካር grum mekar (Orthodox Mezmur)
new eritrean orthodox tewahdo mezmur # Mahber Ardet # Kdusan (ቅዱሳን)
ሰማያዊ ብርሃን ቅዱሳን ለቢሶም ምስሊ ከዋክብቲ ንሰማይ ኣድሚቖም ኣሰሮም ስዒበ ከማእዝን ሕይወተይ ልዑል እግዚአብሔር ግዝኣዮ ንልበይ። መጥምቀ መለኮት ኃያል ንእምነቱ ተባዕ ንመትከሉ ቃላቱ ዘንድድ ርትዒ ኣጐሊቢቡ ንሰይፊ ዝሓልፍ ኣምላኹ ኣሚኑ ይኹነለይ ድርብ ኣርኣያ ሕይወቱ ። ሐዋርያ ጳውሎስ ስቡር ቅጥቁጥ ልቢ ጽንዓት ዝወነነ ጽላሎት ኣካሉ ሕሙማት ዘሕወየ ብዘደንቕ መንፈስ ጕያኡ ዛዚሙ ሓዲዱ ይሠረት ብማዕዶይ ደሚቑ ። ቅዱስ ጊዮርጊስ ጽዋዕ ሞት ጨሊጡ ሕይወት ዝሰዀዐ ሥጋኡ ክምተር እምነት ዘየጕደለ ዓስቢ ሰማዕትነት ብርሃን ተወንዚፉ ሎሚ ክመርሓኒ ስደዶ ፈረሱ። ኣቡነ እንድርያስ ፍርሓት እግዚአብሔር ዝዓዘዘ ኣብ ልቡ መዓሙቕ እምነቱ ንብርሃን ገጢሙ ፍጹም ቅድስና ኣኽሊል ዝደፍአ በረኸት ክወስድ ኣምላኽ ኣባይ ዕየ። ኣቡነ ሳሙኤል ቀለም 'ናዋደደ ምጽሓፍ ዝተሓርመ ኣትራኖስ የዳሉ ምንባብ ኣናነፈገ ምልኣት ትሕትናኡ ውህበት ቅድስና ምሳይ ንኽሓድር ልኣኸለይ ጐይታ።
Play Video
Play Video
07:17
ግሩም መካር grum mekar (Orthodox Mezmur)
new eritrean orthodox tewahdo mezmur # Mahber Ardet # kzmrela(ክዝምረላ)
ክዝምረላ ማርያም ንጽህቲ መብራህቲ ድሕነት መሕደሪት ጸግዒ `ይግብኣ`ዩ ክብሪ ንዓ እግዚኣብሄር ባዕሉ ልዕል ዘበላ` 2 ተመሪጻ ድንግል ለካ ተሓሲባ ንእሳት ክትጸውር ብንጹህ ከርሳ ለጋሲት ንብርሃን ወርሒ ዝበልዋ ንጽሓይ ወለደት ብግርማ ኣጊጻ ሰላም ነጊዱ ድምጺ ፍቅሪ ጽድቂ ክቐጸር ከም ግብሪ ጽድቂ መድሕን ወሪዱ ማእከል ምድሪ መዓር ወለላ ክፈስስ ከዛሪ ኣመና ውቅብቲ ውርቂ ስልማታ ዘፈርፈር ዝልብሳ ኣኽሊል ኣማዕሪጋ ፍጹም ቅድስና ብኽልተ ወገና ምልክቱ ጽድቂ ፈጣሪ ምውላዳ መንክር በሪቁ ብርሃን ወለዑ ዓለም ክድሕን ብኽቡር ደሙ ሓርነት ከይኑ ኣዋጅ ድሕነት ነፍሳት ዘመሩ ብሓጎስ ነፈሩ ንጽህቲ ኣዳራሽ በረኸት ዘይጎድላ ንዓለም መኽበሪት ምቂር ጽዋኣ ዘይትፈርስ መቅደስ ዘይትጠፍእ ፋና ቅድሳን ትድግፍ ከውሒ እምባ ኮይና ዘደንቕ ምስጢር ምድሓን ፈጺማ ውሉድ ወለዶ ብጽእቲ ይብልዋ ትምክሕቲ ኣበው ምንጪ ማይ ሕይወት ድንግል ማርያም ፈውሲ ከቢድ ሕማም ዘይትልወጥ በትሪ መሰረት ሃይማኖት ጽሎታ ዘሳግር ንብርቱዕ ማዕብል ንሽቶ ተቀምጥ ዘይሃስስ ጨናኣ ምእዝቲ እፍረት ፈቃር ብባህሪኣ ማርያም ኹንለይ ደመና ጽላል መዝገብ ክውንን ዘይመውት ሰላም ድንግል ተረስርስ ልበይ ተሐጉስ ወትሩ ክዝምር ስማ ከስተማቕር
Play Video
Play Video
05:56
ግሩም መካር grum mekar (Orthodox Mezmur)
new eritran orthodox tewahedo mezmur # Mahber Ardet # mekeret hiwetey (መቐረት ሂወተይ)
`መቀረት ሂወት መብራህቲ ናይ ገዛይ ረዳኢት ድኩማት ዋሕሳ ንነብሰይ `(2) `ንስኪ`ኪ ድንግል ኣደ ኣምላክ ኣደ ኣማኑኤል` (4) ጥራዩ ጋዝ ሒዘ ዘይተይ ተወዲኡ መብራህቲ ዘይብለይ መርዓዊ መጺኡ ግዳም ንከይተርፍ ከይትጠፍእ ነብሰይ ሎሚ ድግፍኒ ጽግዒ ናይ ሂወተይ ንገርዮ ኢኪ ንፈቃር ኣዶናይ ውራይ ንክገብር ኣጋይሽ ዓዲመ ዝብላዕ ዝስተ ሻሻየይ ቀሪበ ወይኒ ተወዲኡ ዓቅለይ ክጸበኒ ምጺ ናብ ውራየይ ምስ ኩቡር ወድኪ ዝጎደለ ኩሉ መታን ክትምልኢ ግዜና ከፊኡ ላዕልን ታሕትን ንብል ብትምኒት ሓሳብና ክንፈትሖ ንፍትን እንትርፎ ጭንቀሲ ገለ እኮ ኣይነፍርን ወድኪ ዘይብሉ ፈጺሙ ኣይመልእን ንገርና ደኣ መታን ንክንድሕን
Play Video
Play Video
19:20
EndaMariam
Wereb Mezmur: Tesinene Hibure (ተስኢነነ ኅቡረ)
- ተስኢነነ ኅቡረ ዘወንጌል ቃለ ኅቡረ ተመርጒዘነ መስቀለ - ንዑ ንዑ በፍናዊሆሙ ንሑር ለኣበዊነ ቀደምት (ቅዱሳን) ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ገዛባንዳ
Play Video
Play Video
17:57
EndaMariam
Wereb Mezmur: Lewengielawyan kuline (ለወንጌላውያን ኵልነ)
ብ ት/ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ገዛባንዳ ዝተዳለወ መዝሙር። 2012
Play Video
Play Video
05:28
EndaMariam
Mezmur - Ayniwetsien kabaki Eyerusaliem (ኣይንወጽእን ካባኺ ኢየሩሳሌም)
መዝሙር ብ ት/ሰንበት ደ/ግ/መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ገዛባንዳ ኣስመራ
Play Video
Play Video
05:52
EndaMariam
Mezmur: Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)
ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ጨካን ንጉሥ ፈርዖን ልቡ ምስ ኣትረረ ኣብ ልዕሌና ውን ግፍዒ ምስ መረረ ሓይልና ደኺሙ ከለና ኣብ ባርነት ታሪኽና ለዊጡ ሂቡና ናጽነት ብካህናተ ሰማይ ወትሩ ንዝምስገን ሰባት ካብ መከራ ካብ ሞት ንዘድሕን ነግዝእ ነፍስና ነገልግል ኣብ ቤቱ ጸጋኡ ክህበና በቲ ረድኤቱ ጐይታ ብምሕረቱ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ኣብቲ ምድረ በዳ ገለ ውን ዘይብሉ ንበልዖ ስኢንና ጭንቂ ከንጸላሉ ግን ኣይሓደገናን ምስ ኩሉ ሽግርና ሕይወት ዘሪኡልና እናመገበ መና ከመይ ኢልካ ይርሳዕ ናይ ኣምላኽና ግብሪ ምሕረቱን ለውሃቱን እቲ ናቱ ፍቕሪ ንውዕለታት ጐይታ ዝዳረግ ውሬታ እኳ እንተዘይብልና ነቕርብ ምስጋና ንዘምር ብዓውታ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ክብደት ናይቲ ሽግር ሕጂ እንክዝከር ብዓቕሚ ወዲ ሰብ ፍጹም ዘይጽወር ግን ኩሉ ሓሊፉ ኣምላኽና ረድኣና ከነኣን ኣእተወና ርስቲ ኣቦታትና ድንቂ ኢዩ መስደምም ሥራሕ እግዚኣብሔር ንትብዓት ኣስኒቑ ዘራግፍ ከቢድ ጾር ሰላም ዝመልኦ ክኸውን ሕይወትና ንደይብ ናብ ቤትኤል ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክሃድእ መንፈስና ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር /2/ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara. "ንተንስእ ናብ ቤት ኤል ድማ ንደይብ።" ዘፍ.35፡3 / Genesis 35:3
Play Video
Play Video
06:57
EndaMariam
Mezmur፡ Kibrki Tegelitsu (ክብርኺ ተገሊጹ)
ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡ ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡ ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ። ወለዶታት ኩሎም ብፅዕቲ ይብሉኺ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ክመጹኺ፡ ንጉሥ ዝበሃጎ ንፍሉይ ውህበትኪ፡ ጸጋ መሊኡኪ ፈጣሪ ወሊድኪ (2) ኣብ ኣርያም ኣብ ሰማይ፡ ትነብሪ ብኽብሪ፡ ጸሎትና ተዕርጊ ናብ ልዑል ፈጣሪ። ክብርኺ ተገሊጹ.... ዘለዓለማዊ ኢዩ ናትኪ ድንግልና፡ ፍጹም ዘይቅይሮ ክቡር ልደት ናይ ጐይታና፡ ሕፍቲ ውን ዘይብልኪ ንጽህቲ ኣዴና፡ መመክሒት ኣዳም ተስፋ ናይ ኩልና (2) ናይ ዘመናት ሓጢኣት ክድምስስ ጐይታና፡ ካባኺ ተወልደ ብዕጹው ድንግልና። ክብርኺ ተገሊጹ.... ተኣምርኪ ክንበብ ኣብ ቅዱስ ሰፈሩ፡ ዝሰምዕዎ ኩሎም ንውዕለትኪ የስተንክሩ፡ ውዳሴኺ ዓብዩ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ፡ ንዓኺ ይውድሱ ፍጡራን ብኽብሪ (2) ድንግል ድንግል ይብሉ ክብርኺ ይነግሩ፡ ንንጹሕ ውህበትኪ ብሕብረት ዘመሩ። ክብርኺ ተገሊጹ.... ትእምርተ ሠናያት ድንግል ማርያም፡ ንጽሕተ ንጹሓን ኣደ ጐይታ መድሕን ዓለም፡ ቃል ኪዳን ዘሎኪ ጠበቓ ንዓና፡ ኣማላዲት ኣደ ኣምላኽ ዝሃበና (2) ኣምላኽ ዘኽበረኪ መን'ዩ ዘሕስረኪ፡ ናይ ብዙሓት ኣደ ድንግል ንስኺ ኢኺ። ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡ ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡ ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ። New Eritrean Orthodox Tewahedo Mezmur by Debre MewiE Abune Aregawi Maitemenay. ሓዳስ መዝሙር ብማሕበር ትምህርቲ ሰንበት ደብረ መዊእ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስቲያን ማይተመናይ
Play Video
Play Video
07:23
EndaMariam
Mezmur: Eftah Elkani (ኤፍታሔ ኢልካኒ)
click here - 3:06 ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ /2/ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ዘይገደፍካኒ ዑረት ልበይ ርኢኻ ዝረዳእካኒ ኤልሻዳይ ጐይታ ንዓይ ኤፍታሔ ኢልካኒ ብርሃን ቅድስናኻ ቤትካ ኣርእዩኒ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ቁመተይ ሓጺሩኒ ኣብ ሳግላ ኮይነ ነቲ ግሩም መልክዕካ ምርኣይ ስኢነ ድሌተይ ፈሊጥካዮ ቤተይ ኣቲኻ ባሪኽዎ ንቤተይ ቅዱስ መንፈስካ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ሰኸመይ ተሰኪምካ ቅንዕ ከይበልካ ክሳብ ቀራንዮ ጐይታ ሓጢኣተይ ጾይርካ ምእንታይ ተገሪፍካ በጃይ ዝሞትካ ከም ግብረይ ከይፈረድካ ሰላመይ ኣዊጅካ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ድኹም ሓጥእ'ዩ ኢልካ ዘይነዓቕካኒ ብናይ ምሕረት ዓይንኻ ዝጠመትካኒ ብምንታይ ኢየ ዝመልሶ ናትካ ውሬታ ልበይ ሓጎስ መሊኡ ልሳነይ ዕልልታ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara. ኤፍታሔ ማለት ተፈታሕ ማለት ኢዩ። ማርቆስ 7፡31-37 Ephphatha means Be opened. Mark 7:31-37
Play Video
Play Video
05:27
EndaMariam
Mezmur 2011: Hjido Temelise (ሕጂዶ ተመሊሰ)
ዘማሪ ዲ/ፊልሞን የዕብዮ https://youtu.be/oeQTTB8F8kQ?si=gldg70nvIopEJDKk Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur 2011 መዝሙር ብማሕበር ትምህርቲ ሰንበት ኪዳነ ምህረት ሰምበል ኣስመራ ዝተዳለወት።
Play Video
Play Video
05:53
EndaMariam
Mezmur: Begenay Yelil Aleku (በገናይ የልዕል ኣለኹ)
Eritrean Orthodox Tewahdo Mezmur by ዘማሪት ሰምሃር ካሕሳይ Mahber Kudus Michael Adi-Keih
Play Video
Play Video
07:57
EndaMariam
Mezmur: Eti Nimikho (እቲ ንምክሖ)
ብ ት/ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ገዛባንዳ ዝተዳለወ መዝሙር። 2012
Play Video
Play Video
06:35
EndaMariam
Mezmur: Qalat Hitsan - ቃላት ህጻን | ዘማሪት ሜሪ
keylimin kem Sebey (ከይልምን ከም ሰበይ) ብ ት/ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድኃኔ ዓለም ቤተክርስቲያን ገዛባንዳ ዝተዳለወ መዝሙር። 2012
Load More
Videos መዝሙር: Videos
bottom of page