top of page
Mezmur: Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)
05:52
EndaMariam

Mezmur: Miretsu Nimen Kem Tegelgilu (ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ)

ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ጨካን ንጉሥ ፈርዖን ልቡ ምስ ኣትረረ ኣብ ልዕሌና ውን ግፍዒ ምስ መረረ ሓይልና ደኺሙ ከለና ኣብ ባርነት ታሪኽና ለዊጡ ሂቡና ናጽነት ብካህናተ ሰማይ ወትሩ ንዝምስገን ሰባት ካብ መከራ ካብ ሞት ንዘድሕን ነግዝእ ነፍስና ነገልግል ኣብ ቤቱ ጸጋኡ ክህበና በቲ ረድኤቱ ጐይታ ብምሕረቱ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ኣብቲ ምድረ በዳ ገለ ውን ዘይብሉ ንበልዖ ስኢንና ጭንቂ ከንጸላሉ ግን ኣይሓደገናን ምስ ኩሉ ሽግርና ሕይወት ዘሪኡልና እናመገበ መና ከመይ ኢልካ ይርሳዕ ናይ ኣምላኽና ግብሪ ምሕረቱን ለውሃቱን እቲ ናቱ ፍቕሪ ንውዕለታት ጐይታ ዝዳረግ ውሬታ እኳ እንተዘይብልና ነቕርብ ምስጋና ንዘምር ብዓውታ ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር ክብደት ናይቲ ሽግር ሕጂ እንክዝከር ብዓቕሚ ወዲ ሰብ ፍጹም ዘይጽወር ግን ኩሉ ሓሊፉ ኣምላኽና ረድኣና ከነኣን ኣእተወና ርስቲ ኣቦታትና ድንቂ ኢዩ መስደምም ሥራሕ እግዚኣብሔር ንትብዓት ኣስኒቑ ዘራግፍ ከቢድ ጾር ሰላም ዝመልኦ ክኸውን ሕይወትና ንደይብ ናብ ቤትኤል ናብ ቤት እግዚኣብሔር ክሃድእ መንፈስና ምረጹ ንመን ከም ተገልግሉ: ወስኑ ምስ መን ከም እትነብሩ ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሔር ከነገልግል: መሪጸ ኣለኹ ኣብ ቤትኤል ክነብር /2/ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara. "ንተንስእ ናብ ቤት ኤል ድማ ንደይብ።" ዘፍ.35፡3 / Genesis 35:3
Mezmur፡ Kibrki Tegelitsu (ክብርኺ ተገሊጹ)
06:57
EndaMariam

Mezmur፡ Kibrki Tegelitsu (ክብርኺ ተገሊጹ)

ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡ ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡ ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ። ወለዶታት ኩሎም ብፅዕቲ ይብሉኺ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ክመጹኺ፡ ንጉሥ ዝበሃጎ ንፍሉይ ውህበትኪ፡ ጸጋ መሊኡኪ ፈጣሪ ወሊድኪ (2) ኣብ ኣርያም ኣብ ሰማይ፡ ትነብሪ ብኽብሪ፡ ጸሎትና ተዕርጊ ናብ ልዑል ፈጣሪ። ክብርኺ ተገሊጹ.... ዘለዓለማዊ ኢዩ ናትኪ ድንግልና፡ ፍጹም ዘይቅይሮ ክቡር ልደት ናይ ጐይታና፡ ሕፍቲ ውን ዘይብልኪ ንጽህቲ ኣዴና፡ መመክሒት ኣዳም ተስፋ ናይ ኩልና (2) ናይ ዘመናት ሓጢኣት ክድምስስ ጐይታና፡ ካባኺ ተወልደ ብዕጹው ድንግልና። ክብርኺ ተገሊጹ.... ተኣምርኪ ክንበብ ኣብ ቅዱስ ሰፈሩ፡ ዝሰምዕዎ ኩሎም ንውዕለትኪ የስተንክሩ፡ ውዳሴኺ ዓብዩ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ፡ ንዓኺ ይውድሱ ፍጡራን ብኽብሪ (2) ድንግል ድንግል ይብሉ ክብርኺ ይነግሩ፡ ንንጹሕ ውህበትኪ ብሕብረት ዘመሩ። ክብርኺ ተገሊጹ.... ትእምርተ ሠናያት ድንግል ማርያም፡ ንጽሕተ ንጹሓን ኣደ ጐይታ መድሕን ዓለም፡ ቃል ኪዳን ዘሎኪ ጠበቓ ንዓና፡ ኣማላዲት ኣደ ኣምላኽ ዝሃበና (2) ኣምላኽ ዘኽበረኪ መን'ዩ ዘሕስረኪ፡ ናይ ብዙሓት ኣደ ድንግል ንስኺ ኢኺ። ክብርኺ ተገሊጹ፡ ፍጥረት ኩሎም ብኣኺ ይድነቑ፡ ብርሃን ዓለም ካባኺ ምብራቑ፡ ድንግል ብወድኺ፡ ንዘለዓለም ትነብሪ ኸቢርኪ። New Eritrean Orthodox Tewahedo Mezmur by Debre MewiE Abune Aregawi Maitemenay. ሓዳስ መዝሙር ብማሕበር ትምህርቲ ሰንበት ደብረ መዊእ ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስቲያን ማይተመናይ
Mezmur: Eftah Elkani (ኤፍታሔ ኢልካኒ)
07:23
EndaMariam

Mezmur: Eftah Elkani (ኤፍታሔ ኢልካኒ)

click here - 3:06 ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ /2/ ኣብ መንገዲ ኢያሪኮ ዘይገደፍካኒ ዑረት ልበይ ርኢኻ ዝረዳእካኒ ኤልሻዳይ ጐይታ ንዓይ ኤፍታሔ ኢልካኒ ብርሃን ቅድስናኻ ቤትካ ኣርእዩኒ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ቁመተይ ሓጺሩኒ ኣብ ሳግላ ኮይነ ነቲ ግሩም መልክዕካ ምርኣይ ስኢነ ድሌተይ ፈሊጥካዮ ቤተይ ኣቲኻ ባሪኽዎ ንቤተይ ቅዱስ መንፈስካ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ሰኸመይ ተሰኪምካ ቅንዕ ከይበልካ ክሳብ ቀራንዮ ጐይታ ሓጢኣተይ ጾይርካ ምእንታይ ተገሪፍካ በጃይ ዝሞትካ ከም ግብረይ ከይፈረድካ ሰላመይ ኣዊጅካ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ ድኹም ሓጥእ'ዩ ኢልካ ዘይነዓቕካኒ ብናይ ምሕረት ዓይንኻ ዝጠመትካኒ ብምንታይ ኢየ ዝመልሶ ናትካ ውሬታ ልበይ ሓጎስ መሊኡ ልሳነይ ዕልልታ ኤፍታሔ ኢልካኒ ኣምላኽ መን ይዓጽወኒ: ኤፍታሔ ኢልካኒ ጐይታ መን ይኣስረኒ ንስኻ ትምሕረኒ ንስኻ ይቕረ ትብለኒ: ንስኻ ትረድኣኒ ባዕልኻ ትድግፈኒ 9ይ ዓመታዊ በዓል ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ግዕዛን መድሃኔ ዓለም ገዛባንዳ ኣስመራ። December 25, 2010 Eritrean Orthodox Tewahdo Church Debre Geezan MedhanieAlem Asmara. ኤፍታሔ ማለት ተፈታሕ ማለት ኢዩ። ማርቆስ 7፡31-37 Ephphatha means Be opened. Mark 7:31-37
Videos መዝሙር: Videos
bottom of page