top of page
Search

አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ

መእተዊ

“በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ”


ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፈጸምዎ ብርቱዕ ገድሊ፤ ዝመሥረትዎ ገዳም ብዘለዎ ኣገዳስን ተጠማትን ታሪኻዊን መልክዓ ምድራዊ ኣቐማምጣን ኣብ ሃገርናን ጐረባብትናን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝግደሱ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓለም’ውን ከይተርፈ ብፍሉይ ዝጥቐሱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ኣብ ኵሉ ሕዝብና ብፍላይ ከኣ ንሶም ብሓዋርያዊ ተጋድሎ ኣብ ዝዖዱሉ ደቡባዊን ማእከላዊን ምብራቓዊን ክፋል ሃገርናን፤ ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም ውሑጅ ብዝውሕዝ ንእሽቶይ ይኹን ዓቢይ “ፊልቆስ ኣቦይ” እናተባህሉ “ዝመሓለሎም” ልቢ ሕዝቢ ዝሰፈሮም ንኡድን ክቡርን ኣቦ እዮም፦ አቡነ ፊልጶስ አንዳዴ ባሕር!

ኣብ መጀመርታ ፲፬ ክፍለ ዘመን ዝተንሥኡ እዞም ሕያውነትን ትዕግሥትን፤ ጽሞናን ንጽሕናን፤ ፍቕርን ጥብዓትን፤ ገድልን ጽንዓትን ዝመለለዪኦም ኣቦ፤ ኣብ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ሃገርና ብዙኅ ኣገዳሲ ሓዋርያዊ ሥራሓት ዝፈጸሙን፤ ኣሰር ቅዱሳን ዝዀልዑን፤ ንካልኦት ብዙኃን ቅዱሳን መገዲ ዝጸረጉ ብርሃን ኤርትራ እዮም። ንሕገ ሃይማኖትን ንቃለ እግዚአብሔር ዘይኮነስ፤ ፍቓድ ነገሥታት ጥራይ እናመልኡ ንዝነበሩ መራሕቲ ጳጳሳት ግብጺ (ኣብ ኢትዮጲያ) ዓበይቲ ተኣምራት ብምፍጻም፤ ቅኑዕ ንዘይኮነ ትምህርቶምን ኣካይድኦምን ዘግሃዱ፤ ብትምህርቶምን ብተኣምራቶምን ነቶም ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ዘኅፈሩን፤ ነታ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታት ብተጋድሎኦም ዘጽንዑን ኣቦ እዮም ነይሮም። ልዕልና ሥልጣንን ኃይሊ ዓለምን ብዘየገድስ፤ ሎሚ ዓለም ንዝተሸገረትሉ ኣብ ሞንጎ ክርስቲያናትን ኣመንቲ ምስልምናን ተኸባቢርካን ተሳኒኻን ናይ ምንባር ክህሎት፤ ኣብነታዊ ኪዳን ዝፈጸሙ፤ ምድርን ባሕርን ኣሰማሚዖም፤ ሕውነት ዘደልደሉ፤ በቲ ዝፈጸምዎ ተጋድሎን ዝነበሮም ግርማ ሞገስን ከኣ ሓወልቲ ስምዕ ኣብ ሃገርና ዘንበሩ እዮም። ኣብ ዝመሥረትዎ ገዳም ዝፈረዩ ደቆም’ውን ካብ ሃገርና ኃሊፎም ኣብ ጐራባብትና ጨናፍሮም ዝተዘርገሐን፤ ፍሬኦምን ሓዋርያዊ ተልእኾምን ብዝግባእ ዝፍለጥ ጕንዲ ምንኩስና እዮም።

ስለቲ ዝፈጸምዎ መግለጺ ዘይርከቦ ድንቂ መንፈሳዊ ተጋድሎኦምን ተኣምራቶምን፤ እቲ መጽሓፈ ገድሎም’ውን ነዞም ቅዱስን ክቡርን ኣቦ “በመኑ ንመስሎ ወምስለ መኑ ናስተዛውጎ” (ብመን ክንምስሎ፤ ምስ መን’ከ ከነመዓራርዮ) እናበለ ክውድሶም ይነብር። እወ! እዞም ቅዱስ ኣቦ ምስቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው ዘመሳስልን ዘዛምድን ብዙኅ ድንቂ ነገራት ገይሮምን፤ ተገይርሎምን እዩ። ስለዚ እዩ ድማ እቲ ገድሎም “መሥዋዕቱ ብዝሠመረሉ ብኣቤል ድዩ፤ ወይሲ መመላለሲ ብርሃናት ብዝረኣየ ብሄኖክ ክንምስሎ፤ እግዚአብሔር ካብ ዘውረዶ መዓት ብዝደኃነ ብኖኅ’ዶ ክንምስሎ፤ ወይሲ ምእንቲ ክህነቱ ዕሽር ብዝተቐበለ ብመልከጼዴቅ ክንምስሎ፤ ….” እናበለ ምስቶም ዝቐደሙ ኣበው (ብሉይን ሓዲስን) እናነጻጸረ ዝገልጾም። ነፍስ ወከፍ ምሳሌያት ምስ እንምርምሮ ከኣ፤ እቲ ናቶም ቅድስናን መንፈሳዊ ግብርን ዓቢይን ፍሉይ ምዃኑ ከነስተውዕል ንኽእል ኢና።

እዞም ክቡርን ቅዱስን ኣቦና፤ ፵፪/42 ዓመት ቅድሚ ናብ ገዳም ምእታዎም፤ ፵፪/42 ዓመት ከኣ ገዳም ድኅሪ ምእታዎም፤ ኣብዛ ምድሪ’ዚኣ ነይሮም እዮም። አማን በአማን ብበረከቶምን ረድኤቶምን ኣብ ልቢን ሕይወትን ምእመናን ሃገርና ፍሉይ ስፍራ ዘለዎም እዞም ቅዱስ ኣቦ እዚኦም፤ ታሪኾምን ገድሎምን ምፍላጥን ምንባብን ዝግባእ እዩ እሞ፤ ንበረኸት ክኾነና ንሎሚ “ንባሕሪ ብጭልፋ” ከምዝብሃል፤ ንዜና ሕይወቶም ካብቲ ሰፊሕ ገድሎም ቀዲሕና ናባኹም ነቕርቦ ኣሎና እሞ፤ በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን እናበልና ንምኅፀን።

ትውልድን ጥምቀትን

“ወይሁበኪ ወልደ ቅዱሰ ወቡሩከ ልዑለ ወክቡረ ወይከውን አበ ብዙኃን”

ሕፃን ፊልጶስ ካብ ኣቦኡ ይርድኣነ እግዚእ፤ ካብ ኣዴኡ መግደላዊት ኣብ ኣንከረ ባሩካ ከባቢ ኣክሱም (ኢትዮጲያ) ተወልደ። ገለ ጸሓፍቲ ታሪኽ ኣብ ፲፪፻፺፯ ዓ.ም. (1297) ከም ዝተወልዱ ይጽሓፉ ደኣ እምበር፤ ኣብቲ ገዳም ጥራይ ዝርከብ ሓሳበ ቢዘን ዝገልጽ መጽሓፈ ሕርግርግ፤ አቡነ ፊልጶስ ብሓሳበ ቢዘን ጥቅምቲ ፲፻፺፩ ዓ.ም. (ማለት ብግእዝ ብ፲፫፻፲፱ ዓ.ም.) ኣብ መበል ፲፭ ዓመት ዘመነ ንግሥነት ዓምደ ጽዮን (ወዱ ንውድም ኣርዕድ) ከምዝተወልዱ ይገልጽ። ኣቦኦም ኃያልን ብርቱዕን ዓቀይታይ ከምዝነበረን ሓኔታይ ዘብሎ ከኣ ሓደ ኣንበሳ ቀቲሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ኣዴኦም ካብ ብሩኻት ስድራ ዝተረኽበት፤ ጾምን ጸሎትን ስግደትን እተዘውትር፤ ምስ ሰብኣያ ኮይና ምጽዋት እትፈቱ፤ ኣጋይሽ እትቕበል ቅድስቲ፤ ካብ ሕጻንነታ ኣትሒዛ ካብ ካህነ እግዚአብሔር መጽሓፍ ቅዱስ (ብሉያትን ሓዲሳትን) ምስ ትርጓሜኡ ዝተማህረት ነበረት። ነቲ ዝተማህረቶ’ውን ብግብሪ እትፍጽም፤ ነቶም ዘይተማህራ ኣንስትን ዘይተማህሩ ሰብኡትን ከኣ ተጊሃ እትምህር ከም ዝነበረት እቲ መጽሓፍ ገድሊ የረድእ። ከም ሓና ኣደ ሳሙኤል ውላድ ስለዘይነበራ ድማ ኣብዚኃ ጸሎታ ክሰምዕ፤ ሓሳባ ከሥምረላ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብእምነት ትልምን ነበረት። “እቲ ለሚንካዮ ዘይከልእ፤ ጸዊዕካዮ ዘየጽምም” እግዚአብሔር ኣምላኽ ንመልኣኹ ቅዱስ ገብርኤል ልኢኹ ከምእትወልድ ኣበሠራ።

ኣብ መዓልቱ ከኣ መልኣኽ ዝመስል ምልኩዕ ወዲ ወለዳ። እተን መሕረስቲ’ውን ብመልክዕ እቲ ዝተወልደ ቆልዓ ከምዝተገረማን፤ እቶም ዓዲ’ውን ብዘደንቕ ልደት እዚ ሕፃን’ዚ ፍርሂ ስለዝሓደሮም፤ ኣብቲ ዝተወልደሉ ተኣኪቦም ናብ እግዚአብሔር ጸሎትን ፵፩ን እግዚኦታን ከምዘብጽሑ ገድሎም ይገልጽ። ኣብ ልዕሊ እዚ ሕፃን ንዝተመደበ ግብሪ እግዚአብሔር ንኽርእዩ ድማ ተሓንጠዩ። ከም ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት ክውለድ ከሎ እቶም ጐራባብቱን ኣዝማዱን ተደኒቖም “እዚ ሕጻን እዝስ እንታይ ኰን ኪኸውን እዩ? ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ።” ዝብለና እቶም ከባብን ዓድን ከኣ ብዛዕባ እቲ ዝተወልደ ፊልጶስ ተመሳሳሊ ቃላት ኣውሲኦም ነይሮም። (ሉቃ ፩፥፷፮/1፥66)

ብቅዱስ ገብርኤል እናተሓለወ ድማ፤ እቲ ሕፃን ክጥምቕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መበል ፵ መዓልቱ ኣብ ዝተወስደሉ፤ መግደላዊት ኣዲኡ ነቶም ካህናት “ከምቲ ሓና ንወዳ ሳሙኤል ብመሠረት መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ዝሃበቶ፤ ኣነ ድማ ከም’ቲ መብጽዓይ ንእግዚአብሔር ሂበዮ ኣሉኹ” በለቶም። እቶም ዘጠምቕዎ ካህናት ድማ ፲፫ ኅዳር ፊልጶስ ሓዋርያ ዝዝከረሉ ዕለቱ ምዃኑ ኣስተውዒሎም፤ ብስም እቲ ቅዱስ ሓዋርያ “ፊልጶስ” ሰመይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ንዘሎ ጸጋ ርእዮም ከኣ ፈተዉዎ። ኣቦኡ ፊልጶስ ከይተወልደ ከሎ ኣቐዲሙ ሞይቱ ስለዝነበረ ከኣ፤ ኣዲኡ መግደላዊት ድኅሪ ጥምቀት ወዳ፤ ነዚ ዓለም መኒና፤ ንወዳ ባሪኻን ስዒማን መንኰሰት።

ትንቢት

“ወይቤሎ አንሰ አነክር በእንተ ሕፃን ዘይትወለድ በውስተ ዛቲ ሀገር ዘይከውን መርኃ ለብዙኃን ወአበ ለጉቡአን”

ኣቦና ብብስራት ቅዱስ መልኣኽ ምውላዶም ጥራይ ዘይኮነስ፤ ብዛዕባ እቲ ዳኅራይ ምስ ዓበዩ ዝፈጽምዎ ገድልን ልዕልናኦምን ብቅዱሳን ሰባት ይኹን ብቅዱሳን መላእኽቲ ዝተመስከረሉን፤ ትንቢት ዝተነግረሉን እዩ። ቅዱስ ገብርኤል ወዲ ከም እትወልድ ንመግደላዊት ከብሥራ ከሎ፤ እቲ ዝውለድ ሕፃን “ብትምህርቱ ብዙኅ ሕዝቢ ዘድኅን፤ ንብዙኃት’ውን ኣቦ ዚኸውን ክቡርን ልዑልን ውላድ ኪህበኪ፤ ደቁ’ውን ብዙኅ ኣህጉር ዝወርሱን፤ ብወገን ምብራቕ ከም ከዋኽብቲ ዘብርሁ ኪኾኑ እዮም” ብምባል ነጊርዋ ነይሩ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን፤ ኣቡነ ፊልጶስ ቅድሚ ምውላዶም፤ በቲ መግደላዊት ዘላቶ ዓዲ እናሓለፉ ከለዉ ብሓጐስ ክምስ እናበሉን፤ ብኣድናቖት ኣፎም ብኢዶም እናኸደኑን ነቶም ምስኦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቶም “ኣብዚ ዓዲ’ዚ ንብዙኃት ጉባኤ ኣበው፤ መራሒ ዝኸውን ክውለድ እዩ” ብምባል ብመንፈስ ቅዱስ ንዝተገልጸሎም ነገር ኣቐዲሞም ተዛሪቦም ነይሮም።

እቶም ንሕጻን ፊልጶስ ዘጥመቕዎ ካህናት’ውን ዓበይትን እግዚአብሔር ዝገለጸሎምን ብምንባሮም፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ዝተጠምቀ ሕፃን ዝዓሰለ ጸጋ ዓቢይ ምዃኑ ርእዮም፤ እዚ ወዲ’ዚ “ጸጋ እግዚአብሔር ዝኃደሮ እዩ፤ ንብዙኃት ሰባት ኣቦ ኪኸውን እዩ፤ ዝንኡ ኣብ ኵሉ ክስማዕ እዩ” ብምባል ተነበዩሎም።

ማር ፊልጶስ ካብ ኣዴኦም ተፈልዮም፤ ናብ ገዳም ኣብ ዝቕንዕሉ ዝነበረ እዋን ክሕልዎም ዝተላእከ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ዝበሎም ቃል ነዚ ቅድሚኡ ዝተነግረ ትንቢት ደጊሙ ዘጽንዕ ነበረ። እቲ ቅዱስ መልኣኽ ክግለጽ ከሎ፦ እቲ ሒዝዎ ዝነበረ መስቀል ብዝተፈላላዩ ሕብርታት ዘለዎም ዕምባታት ዘጌጸ እዩ ነይሩ። ንፊልጶስ ከኣ “ከምቲ እትርእዮ ዘሎኻ ዝተፈላለዩ ዝሕብሮም ዕምባታት፤ አበ ብዙኃን ክትብሃል ኢኻ” በሎም።

ብድኅሪኡ’ውን ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ ኵሉ ምሥጢራት መጻሕፍቲ ድኅሪ ምግላጽ “ብተግባራተ ጽድቂ ክብ ክትብል ኢኻ፤ ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦይ’ውን ዝኸበርካ ክትኸውን ኢኻ” ኢሉ ብሕያው ቃሉ ተዛረቦም። ድኅሪ ምንኵስና’ውን ኣብቲ ዓበይቲ ተጋድሎ ዝፍጽሙሉ ዝነበሩ ቦታ ተገሊጹ “አበ ብዙኃን ክትኸውን ኢኻ” ኢልዎም ነበረ።

ኣተዓባብያን ምንኵስናን

“ሊተሰ አቡየኒ ወእምየኒ እግዚአብሔር ውእቱ”

መግደላዊት ድኅሪ ምምንኳሳ፤ ምህርቲ ብምንባራ ንእንኮ ሕጻን ወዳ ፊልጶስ መገዲ እግዚአብሔር ከጽንዕ ብዝግባእ እናመሃረት ኣዕበየቶ። ቍርብ ልቢ ምስ ደረበ ከኣ እቲ ዝግባእ ትምህርቲ ምንኵስና ክስዕብን ክፍጽምን ምስ ለበዋ ናብ ገዳም ክትሰዶ ብምውሳን ብዙኅ ናይ ምዕዶ ቃላት ተዛረበቶ። ሕፃን ፊልጶስ’ውን ለበዋ ኣዲኡ ሰሚዑ ብዛዕብኡ ብዙኅ ክትስከፍ ከምዘይብላ ብምግላጽ ደጊም “ሊተሰ አቡየኒ ወእምየኒ እግዚአብሔር ውእቱ” (ደጊም ንዓይሲ ኣቦይን ኣደይን እግዚአብሔር እዩ) ብምባል ጽኑዕ ናይ እምነት ቃሉ ሂብዋ። ንሕፃናት ለባማትን ጥበበኛታትን ዝገብር እግዚአብሔር ከኣ ምስኡ ከምዝኾነ ብምንጋር፤ ኣዝዩ ባህ ብዝብል ቃል ብዛዕባኡ ክሳብ እትግረም ንኣዲኡ ኣጽናንዓ። ብኸምኡ ከኣ ኣደን ወደን ተፈላለዩ። ሕፃን ፊልጶስ ድማ ንድኅሪት ግልጽ ከይበለ፤ ጸሎቱ እናብጽሐ፤ እግዚአብሔር ብርሃኑ ክኸውን፤ መገዱ ድማ ክመርሖ እናተማኅፀነ ናብ ገዳም መገዱ ቀጸለ።

ኣብ መገዲ ከሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ባረኾ። ብድኅሪኡ ከኣ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ ንኹሉ ምሥጢር መጻሕፍቲ ገለጸሉ። ደብረ ጸራቢ ናብ ዝተባህለ ገዳም ክኸይድ እሞ፤ ረድእን ደቂ መዝሙርን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ዝነበሩ በኪሞስ ዝብሃሉ ዓቢ መነኮስ ክራኸብን፤ ካብ ኢዶም ከኣ ክምንኵስን፤ ኣስኬማ ክደፍእን ተነግሮ።

ፊልጶስ ገና ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ መንፈስ እግዚአብሔር ዝተመልአ ብምንባሩ ስርሑ ዘበለ ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበው ብመንክራት ዝደመቐ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝተነግሮ ከኣ ኣብ መበል ፲፪ ዓመት ዕድሚኡ፤ ብኢድ ኣቡነ በኪሞስ ኣብ ደብረ ጸራቢ መንኮሰ። ስም ምንኩስናኡ ከኣ ከምቲ ክጥምቕ ከሎ ዝተዋህቦ ከይተቐየረ ፊልጶስ ተባህለ። ካብ ኢድ አቡነ በኪሞስ ስለዝመንኮሰ ከኣ ሓረገ ትውልዱ ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዩ። እንጦንስ: መቃርስ: ጳኵሚስ: ሊባኖስ: ዖፅ (ብእሴ ሰላም): አድኃኒ: ጰላድዮን: ቅቡዕ እግዚእ: ኣትናቴዎስ: ይስሓቅ : ዕብነ ሰንበልት : ዳንኤል : ኤዎስጣቴዎስ : በኪሞስ : ፊልጶስ ዝብል ሓረገ ትውልዲ ምንኵስና ሒዙ ይርከብ።

እምበኣር ማር ፊልጶስ ኣብቲ ገዳም ካብ ዝኣተዉሉን፤ ብዝያዳ ከኣ ኣልባሰ ምንኵስና ድኅሪ ምልባሶምን፤ ኣክሊለ ኣስኬማ ቅድስት ድኅሪ ምድፍኦምን ኣብዚ ደብሪ ንዘለዉ መነኮሳት ብትግሃት እናገልገሉ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ይነብሩ ነበሩ።

ፋድል

“ይሰመይ ስምከ ፋድለ”

እዚ ስም’ዚ ንቅዱስ ኣቦና፤ ብእግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተዋህቦም ፍልይ ዝበለን፤ ህያብ እግዚአብሔር ዘመልክትን ስም እዩ። ሕፃን ፊልጶስ ጌና ናብ ገዳም ቅድሚ ምእታዎም፤ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ትንቢቱ ድኅሪ ምንጋሩ፤ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብዓቢን ዘፍርህን ግርማ ተገሊጹሎም ነበረ። ኣእምሮን ልቢ ዘስፍሕ ትምህርትን ከምዝገለጸሎም ከኣ ኣበሲርዎም ነይሩ። “ብብልሓትካ ብዙኃት ምእንቲ ኪዛረቡ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ምሥጢር ገሊጸልካ ኣሎኹ።” ብምባል ከኣ ተዛረቦም። ኣስዒቡ ድማ ፹ወ፩ዱ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስ ትርጓሜታቶም ገሊጹሎም ነበረ፤ ከም ሓዋርያት’ውን ኃይሊ መንፈስ ስለዝተቐበሉ ብኻልእ ልሳናት (ቋንቋታት) ክዛረቡ ጀሚሮም።

እምበኣር ኣብ መምህር ቀሪቦም ፊደልን መጻሕፍትን ከይተማህሩ፤ እግዚአብሔር ባዕሉ ስለዝገለጸሎም ካብ ፈደለ ዝብል ሥርወ ግሢ ፋድል ተባህሉ። ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ’ውን “ይሰመይ ስምከ ፋድለ፤ በእንተ ዘኢተምህርከ ፈደለ ኆህያተ ፊደል ኀበ መምህር አላ አነ ከሠትኩ ለከ” (ከምኡ ድማ ንፊደል ናብ መምህር ከይከድካ ባዕለይ ስለዝገለጽኩልካ ስምካ ፋድል ይኹን) ድማ በሎም ይብል እቲ ገድሎም። ስለዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ደቂቀ ማኅበር ዘገዳም ደብረ ቢዘን ካብ ዝዓበየ ክሳብ ዝነኣሰ ነነፍሶም “ወዲ ፋድል” እናበሉ ክጽውዑ ዝስማዓሉ ጊዜ ኣሎ። ብቀረባ እንዝክሮም ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፊልጶስ፤ ነንዊሕ ዓመታት ብኣበመኔትነት (መምህር ተወልደብርሃን) ነዚ ክቡር ገዳም’ዚ ዘገልገሉ ወዲ ገዳም ብምንባሮም ኣብ ገለ እዋን ብርተዐ ኣብ እተሓወሶ ዘረባኦም “ኣነ ወዲ ፋድል!” ክብሉ ይስምዑ ምንባሮም ነዚ ኣበሃህላ ርቱዕ ምስክር ክኾነና ይኽእል።

ይቕጽል...

2 views0 comments
Blog: Blog2
bottom of page